ከም ኣዕቖብቲ ወለዲ መጠን ነዞም መንእሰያት እዚኣቶም ክትሕግዝዎም ትኽእሉ ኢኹም!
ነዞም መንእሰያት እዚኣቶምን ንመቕርቦምን ብሓቂ ክትሕግዝዎም ትኽእሉ ኢኹም። መንእሰያት ስደተኛታት ኣብ ስድራ ቤት ድሕንነትን ውሕስነትን ክስምዖምን፣ ኣቓልቦ ክረኽቡን ምውቕ ስድራ ቤት ክህልዎምን የድልዮም እዩ። ስለዚ ድማ ንሕና ንበይኖም ብዘይ ወለዶም ናብ ነዘርላንድ ንዝተሰደዱ ትሕቲ ዕድመ ቖልዑ (AMV’s) ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ዝህቡ ስድራቤት ንኽቕመጡ ኢና ንመርጽ። ስለ’ዚ ንሓጺር እዋን ወይ ንንውሕ ዝበለ እዋን ንቖልዑ ኣብ ቤቶም ብምዕቋብ ክኣልዩን ክከናኸኑን ፍቓደኛታት ዝዀኑ ስድራ ቤታትን ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባትን ንደልይ ኣሎና።