መቐበሊ ስድራቤታት ንዘይተዓጀበ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ተደልዩ!
+

ዝኸበርኩም ኣዕቆብቲ ወለዲ፣

ብዘይ ወለዶም ንበይኖም ንዝተሰደዱ ትሕቲ ዕድመ ቖልዑ ክትሕግዝዎም ትደልዩ ዶ?

ተመዝገቡ

ከም ኣዕቖብቲ ወለዲ መጠን ነዞም መንእሰያት እዚኣቶም ክትሕግዝዎም ትኽእሉ ኢኹም!

ነዞም መንእሰያት እዚኣቶምን ንመቕርቦምን ብሓቂ ክትሕግዝዎም ትኽእሉ ኢኹም። መንእሰያት ስደተኛታት ኣብ ስድራ ቤት ድሕንነትን ውሕስነትን ክስምዖምን፣ ኣቓልቦ ክረኽቡን ምውቕ ስድራ ቤት ክህልዎምን የድልዮም እዩ። ስለዚ ድማ ንሕና ንበይኖም ብዘይ ወለዶም ናብ ነዘርላንድ ንዝተሰደዱ ትሕቲ ዕድመ ቖልዑ (AMV’s) ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ዝህቡ ስድራቤት ንኽቕመጡ ኢና ንመርጽ። ስለ’ዚ ንሓጺር እዋን ወይ ንንውሕ ዝበለ እዋን ንቖልዑ ኣብ ቤቶም ብምዕቋብ ክኣልዩን ክከናኸኑን ፍቓደኛታት ዝዀኑ ስድራ ቤታትን ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባትን ንደልይ ኣሎና።

ብዘይ ወለዶም ንበይኖም ንዝተሰደዱ ትሕቲ ዕድመ ቖልዑ ብኽልተ ኣገባባት ክትኣልይዎምን ክትከናኸንዎምን ትኽእል ኢኹም፥

ነዞም መንእሰያት እዚኣቶም ክትሕግዝዎም ትደልዩ ዶ? ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ መምዘኒታት ኸ ተማልኡ ዲኹም? ከምኡ እንተ ኮይኑ ንሕና ምሳኹም ኽንራኸብ ንደሊ ኢና!

ናትኩም ድሕረ ባይታ:

  • ንስኹም ወይ ወለድኹም ናይ ስደት ድሕረ ባይታ ኣለኩም ድዩ?
  • ስድራ ቤትኩም ብዝተፈላለዩ ባህልታት ዝቖመት ድያ?
  • ካልእ ባህሊ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ምንባር ተመክሮ ኣለኩም ድዩ?

ኩነታትኩም፥

  • ዕድሚኦም ካብ 12 ኽሳዕ 15 ንዝዀኑ ቘልዑት ከተዕቑቡ ድልየት ኣለኩም
  • ዕድሜኹም ልዕሊ 21 ዓመት እዩ
  • ኣብ ኔዘርላንድ ን2 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝተቐመጥኩም ኢኹም
  • ኣብ ቤትኩም ተወሳኺ መንበሪ ኽፍሊ ኣለኩም

ነዚ ናይ ምዝገባ መምልኢ ቅጥዒ - (ፎርም) ምልእዎ

ኣብ ኒዶስ ኣዕቖብቲ ወላዲ ኽትኰኑ ድልየት ስለ ዘለኩም ብልቢ ነመስግነኩም ኣለና። ኣዕቖብቲ ወላዲ ወይ ስድራ ቤት ንኽትኮኑ ንሕና ፈለማ ንእተፈላለዩ ቅድመ ዅነታት ንምርምር ኢና። ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ናይ ምዝገባ መምልኢ ቅጺ ምልእዎ ወይ ድማ ናብ opvangouders@nidos.nl ብ ኢመይል ልኣኹልና።

ውልቃዊ ሓበሬታትኩም

ሰብኣይ
ሰበይቲ
ቖልዑ